ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ባይቶና ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣይተ ክብሮም በርሀ ምእሳሮም ኣፍሊጡ


ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝኾኑ ኣይተ ክብሮም በርሀ
ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝኾኑ ኣይተ ክብሮም በርሀ

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝኾኑ ኣይተ ክብሮም በርሀ ትማሊ ሰንበት ምሸት ምእሳሮም'ቲ ውድብ ኣፍሊጡ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ ዝኾኑ ኣይተ ዮሴፍ ሃይለስላሴ ኣርኣያ ፖሊስ መጀመርታ ንበዓልቲ ቤቱ ከምዝሓዙን: ንዓኣ ዝሓዝሉ ምኽንያት ድማ ንበዓል ቤትኪ ፀውዕዮ ዝብል ከምዝኾነ : በዓልቲ ቤቱ ከም ተትሓዘት ዝፈለጠ ኣቶ ክብሮም፡ ባዕሉ ከይዱ ኢዱ ከም ዝሃበ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣቶ ክብሮም ምኽንያት መእሰሪኡ እንታይ ከምዝኾነ እቲ ውድብ ኮነ ፖሊስ ኣይገለፀን።

ድምጺ ኣመሪካ ንበዓልቲ ቤት ኣይተ ክብሮም ንምርካብ ዝገበረኦ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንምኽንያት መእሰሪ ኣይተ ክብሮም ዝምልከት ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ: ንሶም ድማ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን አጻርዮም መልሲ ከምዝህቡ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG