ቅልውላው ትግራይ፡ ዕጽዋ ትግራይ ክሳብ መዓስ?

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ተመዛቢሎም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝነብርን ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየን ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ቀረባ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከቡ ቤተሰቡ ገንዘብ ከም ዝልኣኸ ይዛረብ።

40 ሽሕ ብር ክልእኸሎም ከም ዝደሊ ዝሓበሮም ካብቲ ክልል ወጻኢ ዝርከቡ ውልቀሰባት እቲ ገንዘብ ናብ ስድርኡ ክበጽሕ እንተኾይኑ 20 ሽሕን 800 ብር ክኸፍሎም ከም ዝሓተቱዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ብሕጋውነት ዝሰርሕ ፋይናንሳዊ ትካል እንተዘይሃለወ፡ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስድራቤቱ ገንዘብ ክበጽሖም ዝደለየ ውልቀሰብ ግን እቲ ዝተሓተቶ ክፍሊ ናብ ባንኪ ሒሳቦም ኣታዊ ገይሩ።

እዚ ውልቀሰብ ወሲኹ: እዚ ዕድል ዝረኸቡ ካልኦት ሰባት'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ፍርቂ እቲ ክልእኹዎ ዝሓሰቡ ገንዘቡ ነቶም ልኣኽቲ እናኸፈሉ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘለው የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ መቐለ ተቖጻጺሮም ንዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ 'ሓራ ኣውጺእናዮ ኣለና' ካብ ዝብሉ ንድሓር ትግራይ ን10 ኣዋርሕ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ትርከብ።

ወርሒ ሕዳር 2020 ብዝጀመረ ኲናት ተቛሪጾም ድሕሪ ምጽናሕ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ዳግም ስርሖም ጀሚሮም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ስልኪ፣ ኢንተርነትን መጓዓዝያን'ውን ሙሉእ ንሙሉእ ጠጠው ኢሎም።

'ዝጠመየት ከተማ'

ኣቶ ገብራይ ገዛሀኝ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መቐለ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብፕሮጀክት ባዕልና ንባዕልና ወትሩ ንጉሆ ክልተ ባንን ሻሂን ቑርሲ ዝቐርበሎም ዘለው ጽጉማት ኮይኖም ብሳልሳይ ወገን ኣብ ዝልኣኹልና ድምጺ ጓሂኦምን ጸገሞምን ብደርፊ'ዮም ገሊጾምዎ።

"እቲ ቀደምሲ፡ ኪሮስ ኣለማየሁ '. . . ውሉድን ወላድን ተፈላልዩ፤ ብመሪር ጥምየት ሬሳ መሲሉ . . . ብኣፈ ሙዝ ሰላም ስኢኑ' ኢሉ ነይሩ። ሎሚ'ውን ተደጊማ፤ ከምዚ እናቖዘምና እኽሊ ሓሪሙና፣ ድሃይ ደቅና ርሒቑና ንነብር ኣለና" ኢሎም።

ቅድሚ ኲናት፡ ከተማ መቐለ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነበርቲ ነይሮምዋ።

ድሕሪ እቲ ኵናት ግን ካብ ካልኦት ዞባታት እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ትምህርቲ፣ መአከቢ ኣዳራሻትን ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናትን እታ ከተማ ተዓቚቦም ብሕጽረት ገንዘብን ቀረብን ንጸገም ተቓሊዐም ይርከቡ።

ኣቶ ገብራይ፡ "ጥምየት ንኹሉ ኣርኪቡሉ፤ ዓብዪ ኮነ ንኡስ ዓሪቑ፣ ጠምዩ ሕርብት ኢሉዎ እዩ ዘሎ። ገንዘብ የለን፣ መጓዓዝያ የለን። ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተዓንጊልና፡ ክሓልፍ'ዩ ክንብል ኢና ንውዕል" ይብሉ።

ተመራማሪ ሰላም ሙሉጌታ ገብረህይወት፡ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ኣብ ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም፡ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዘሕተሞ ጽሑፋት 'እቲ ዘሎ ዕጽዋ ሓሊፍኩም ክትኣትው እንተኽኢልኩም ናብ መቐለ ክትመጽኡ ንዕድመኩም። ምስ ኣተኹም መጀመርታ እትርእዩዋ ግን ዝጠመየት ከተማ'ያ' ብምባል ነቲ ዘሎ ሕሰም ገሊጹዎ ኣሎ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ጠዋሪ ወይ ናባዪ ንዘይብሎም ኣረጋውያን ንምሕጋዝ ዝቖመ ማሕበር ተራድኦ ኣረጋውያን ከራድዮን ኣብ መቐለ ንጽጉማትን ተመዛበልቲ ህጻናትን ኣዴታትን ናይ መግቢ ፕሮግራም ይገብር ኣሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናይ ሻህን ባንን ቑርሲ ዝቐርበሎም ጽጉማት ስድራን ተመዛበልትን

ምንጪ ስእሊ, KERADION

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናይ ሻህን ባንን ቑርሲ ዝቐርበሎም ጽጉማት ስድራን ተመዛበልትን

ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ቁጽሪ ለማኖ ይውስኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር መንእሰይ ኣማኑኤል ገብረጻድቃን፡ ኲናት ዘመዛበሎም ብርክት ዝበሉ ናባዪ/ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ግዳም ሓደር ይኾኑ ምህላዎም ተዛሪቡ።

"ኩሉ ነገር ተዓጽዩ መግብን መድሃኒትን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ኢና ዘለና። ገጠራትን ካልኦት ከባቢታትን ገዲፍካ መቐለ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እያ ዘላ። ሃፍታም ትብሎ ድኻ ኮይኑ እዩ፤ ድኻ ዝነበረ ክኣ ትሕቲ ድኽነት ወሪዱ ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ" ይብል።

እታ ካብ 7 መስከረም 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናይ ቁርሲ ሓገዝ ክትገብር ዝጸንሐት ማሕበር፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 300 ተሓገዝቲ ከም ዘለውዋ ኣማኑኤል ይገልጽ።

ኣብ መጀመርታ እዋናት እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ ይተሓጋገዝ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኢዱ ዝጸንሖ እናወድአ ብምምጽኡ ግን እቲ ንሓድሕዱ ዝተሓጋገዘሉን ዝረዳድአሉን ኩነታት እናነከየ ከም ዝመጽአ ብምግላጽ ኣብታ ከተማ ምስ ንብዓቱ ዝቃለስ፣ ኣብ ጎደናታት መቐለ ንበይኑ እናተዛረበ ዝኸይድ፣ ኣእዳው ዘርጊሑ ዝልምን ሰብ ብብዝሒ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።

"ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ተስፋ ኣይቆረጸን ካብ ዘለዎ እናሃበና ንሕግዝ ኣለና። ዓርሰን ክኢለን ደቀን ዘዕብያ ዝነበራ ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ህጻናትን ንሕግዝ ኣለና። 70 ኣረጋውያን'ውን ኣለውና። ገሊኦም ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ገሊኦም ድማ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣብልዑና ዝበሉ'ዮም" ብምባል የረድእ።

ካልእ ካብ ትግራይ ዘዘራረብናዮ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ድሕሪ 21 ሰነ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ዘሰክፍ ከምዝኾነ ብፍላይ ኣብቶም ከበድቲ ውግኣት ዝተኻየደሎም ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሮም ከባቢታት ቆላ ተምቤን፡ ከባቢታት እምባሰነይቲ፣ ማይ ቅነጣል፣ ዕዳጋ ዓርቢን "ብዙሕ ጥምየት ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናይ ገዛ ኣቑሑ፣ መጋየጺታትን ክዳንን ሓዊሱ መንበሪ ገዝኦም ክሳብ ምሻጥ ከም ዝበጽሑን ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይወሰዱ መምሃራን፣ ሓካይምን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን'ውን ምልማን ከም ዝጀመሩ ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ።

ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምብራቕን ማእከላይን ድማ ዝለዓለ ሕጽረት መግቢ ዝተራእዮም ከባቢታት ከም ዝኾኑ ጸብጻባት ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት።

ኣብ ኣፍ ደገ ባንኪ ኰፍ ዝብል ህዝቢ

ከም ባንክን ካልኦት ፋይናንሳዊ ትካላትን ኣገልግሎት ስለ ዘቋረጹ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢሙ፡ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ብዝተፈዓጻጸፈ ከም ዝወሰኸ ምንጪታት ቢቢሲ ይጠቕሱ።

ንኣብነት፡ እቲ ክልል ካብ ዋና መስመር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ስለ ዝተበትከ፡ ስሩዕን ዘይተቖራረጸን ኣገልግሎት መብራህቲ ክረክብ ኣይከኣለን።

ስለ ዝኾነ ብርክት ዝበለ ሰብ ክርከብ እንከሎ ሽምዓ ስለዝጥቀም እቲ ቅድም ዋጋ ሰለስተ ብር ዝነበረ ሽምዓ ሕጂ ናብ 30 ብር ከም ዝደየበ ነበርቲ ይገልጹ።

ዋላ'ውን ባንክታት ዕጹዋት እንተኾኑ ብርክት ዝበለ ነባሪ ኣብ ኣፍ ደገ ከባቢ ባንኪ ኰፍ ኢሉ ከም ዝረአ መንእሰይ ኣማኑኤል፡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ገንዘብ ከም ዘየለ እናፈለጠ ተስፋ ንዘይምቑራጽ ኣብኡ'ዩ ኰፍ ኢሉ ዝጽበ" ክብል ትዕዝብቱ ኣካፊሉና።

ብኣንጻሩ፡ ውሑዳት ሰብ ሃፍትን ነጋዶን እቲ ክልል ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ከም ዝርከብን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብዘይሕጋዊ መገዲ [ኮንትሮባንድ] ናብቲ ክልል ዝኣትው ሸቐጣት፣ ሸርፊ ገንዘብን ካልእን ብዕጽፊ ይሽየጡ ምህላዎምን ይዝረብ።

እዚ፡ እቶም ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለው ውልቀ ሰባት ኣብ ትግራይ ናብ ዘሎ ኣባል ስድርኦም ካብ ዝልእኹዎ ገንዘብ ካብ 35 ክሳብ 40 ሚኢታዊት ዓስበ ድለላ ዝወስዱ ኮይኖም፡ ትሕቲ እቲ ኣብ ስሩዕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ሸርፊ ዶላር ከም ዝጥቀሙ ምንጪታት ቢቢሲ የረድኡ።

ኣቦ መንበር ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ንማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ክልሉ ጸገማት ባንኪ፣ ነዳዲ፣ ንግድን መድሃኒትን ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ኣብ ክሊ እቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ዋጋ ዝውስኹን ቐረባት ዝሓብኡን ተበለጽቲ ኣለው'ዮም ክብል ነቒፉ ነይሩ።

"ቀረብ ዝብሃል የለን፤ ኣብ ኢድና ዘሎ ጥራሕ ኢና ንጥቀም ዘለና። ከቢድ ፋይናንሳዊ ሕጽረት ኣሎ፤ ጥረ ገንዘብ የለን። ኣብ ንግዲ ግን ዋጋ ምውሳኽን ምሕባእን ዝብሉ ጸገማት ኣለው፤ ኣብዚ ጸበባ ክህፍትም እየ ኢልካ ምሕሳብ ገበን እዩ። ከምኡ ኢና ንርኢ ዘለና። እዚ ከኣ ገበን እዩ። ህዝቢ ንዝረፍን ካልእ በደል ይበጽሐና'ሎ ይብል ኣሎ። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ውሑዳት እንተኾኑ'ውን ስርዓት ክሕዙ ኣለዎም። ነጋዳይ ኣካል እቲ ህዝቢ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ደሞዝ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ

ኣብቲ ክልል ንልዕሊ ትሸዓተ ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይተኸፍሎም ልዕሊ "220 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ይርከቡ" ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብወገኑ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ደሞዝ ስለዘይወሰዱ ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ከምዘለው ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ሰለስተ ሽሕ ኣባላቱ ብጥሙይ ከብዶም ብእግሮም እናተጓዕዙ ገሊኦም'ውን ክሳብ ዝወድቁ እናሰርሑ የገልግሉ ከም ዘለው ብምግላጽ "ሽሕ'ኳ ኣካል ፌደራላዊ ትካላት እንተኾንናን ፌደራላዊ መንግስቲ ግን ባጀት ክሰደልና ኣይክኣለን" ምባሉ ይዝከር።

እዚ ድሮ ተደራቢ ማሕበራዊ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝጀመረ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ንሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ትግራይ ኣቶ ሙሉጌታ ደባልቀው ጸሪሑ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ረድኤት እንተዘይኣትዩ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ክሃልቕ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

"እቲ ዕጽዋ እናበርተዐ ብምኻዱ ኣብ ኣፍ ምጽናት ኢና ዘለና። እቲ ዕጽዋ ክሳብ 9 ሚያዚያ እንተቐጺሉ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ክሃልቕ እዩ። ብዙሓት ብሕጽረት መድሃኒት ይሞቱ ኣለው፤ ንስድርኦም መሰረታዊ ቐረባት ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም ድማ ብዙሓት ዓርሰ ቕትለት ይፍጽሙ ምህላዎም ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለው" ክብል ተዛሪቡ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል'ውን በብእዋኑ ካብ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ምዕራብ ትግራይ ዝመጽኡ ተመዛበልቲ ይውስኹ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።

"ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ጸገም'ዩ ዘሎ፤ ሙሉእ ዕጽዋ'ዩ ዘሎ፤ ግን ክንልምን ኣይኮናን - ንምክት" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናይ ሻህን ባንን ቑርሲ ዝቐርበሎም ጽጉማት ስድራን ተመዛበልትን

ምንጪ ስእሊ, keradion

እንተኾነ እቲ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ መሓውር ናይ ኲናት እዋን ቑጠባ ከመይ ይምራሕ ዝብል መስርሕ ስለ ዘይብሉ ጸገም ከም ዝፈጠረ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ይገልጽ።

"ሕዚ፡ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ኣጋጢሙ፤ እዚ ድማ ንወሰኽ ዋጋ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ: ንደገ ገንዘቡ ከውጽእ ዝደሊ ክህሉ ስለ ዝኽእል ኣብ ደገ ዶላር እናተቐበለ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰብ ገንዘብ ይህብ ኣሎ። እዚ ድማ ወይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል እዩ ወይ ድማ ምስኡ ዝተሓባበር ኣብ ኢዱ ጥረ ገንዘብ ዘለዎ እዩ። ከምኡ ኮይኑ'ውን ግን ሸቐጥን ጥረ ገንዘብን ክኣቱ ምኽአሉ ዓብዪ ነገር እዩ። እቲ ጸገም ኣብ ነጋዳይ ዘይኮነ መንግስቲ እየ ኣብ ዝብል ኣካል'ዩ ዘሎ። ነዚ ስርዓት ከትሕዞ ምተገብአ ነይሩ" ክብል ይነቅፍ።

ናይ ኮንትሮባንድ ስራሕቲ ኣብ ዝስርሐሉ እዋን ናይ መኽሰብ ተኻፈልቲ ስለ ዝህልው ወሰኽ ዋጋ ክረአ ምኽንያት እኳ እንተኾነ እቲ ነጋዳይ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣውጺኡ ኣብ ኢዱ ምሓዙ፣ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ብጥረ ገንዘብ ምዃኑን ዋጋ ሸቐጣት ምውሳኹን ንክብደት ናብራ ከም ዘጋደዶን ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።

"ብቐንዱ ገንዘብ የለን፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዝ የብሉን። እቲ ናይ ንግዲ ስርዓት ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ኢድ ምስቲ ስርዓት ርክብ ዘለዎም ውሑዳት ነጋዶን ናይ ኮንትሮባንድ ነጋዶን ዝሓዝዎ ክኸውን ክኢሉ'ዩ። ኩልሻብ ነጋዳይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ኣልቦነት ኣሎ ኢሉ ዝኣምነሉ ንፋስ ዘምጽኦም ዕድላት'ዩ ዝጥቀም። ኣብ ኲናት መንግስቲ እዩ ስርዓት ከትሕዝ ዝኽእል፤ ንኣብነት ቦንድ ይሸይጥ ወይ ካብ ከም ደደቢት ዝኣመሰላ ትካላት ፋይናንስ ልቓሕ ወሲዱ ዘይፈትሖ? ግን ኣብ ትግራይ ዘሎ ምሕደራ ከምኡ ክገብር ዝኽእል ሓይሊ የለን፤ ገሊኡ ኣካል እቲ ጥቕማ ጥቕሚ እዩ፤ ገሊኡ ድማ ዓቕምን ርድኢትን የብሉን" ይብል ኣቶ ሃይሉ።

ዓለምለኻዊ ትካላት እንታይ ይብሉ?

ኣብዚ እዋን፡ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ድሩትን ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ስለ ዝተዓናቐፍን ሰባት ብጥምየት ይሞቱን ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላውን ብተደጋጋሚ ይግለጽ ኣሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዋን ኣፍሊጡ።

ትካላት ረድኤት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኣብ ረጽሚ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ዕድላት ከመቻችኡ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም።

ኦቻ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣስታት 454 ሽሕ ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ከምእተሃስዩን ልዕሊ 115 ሽሕ ህጻናት ከኣ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ከምእተጠቕዑን የመልክት።

ኣስታት 120 ሽሕ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ከምኡ'ውን ልዕሊ 25 ሽሕ ህጻናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ህጻናት ዝርአ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ብማእከላይ ገምጋም 22 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ልዕሊ 15 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ይሕብር።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ከተማታት ከይተረፈ ሰባት ኣብ ገደንኦም ኣሕምልትን ፍራምረን ከምዘፍርዩ ብምግባር ዓርሰ ምርኮሳ ንምፍጣር ይሰራሕ ምህላውን ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ብመስኖ ዝፈረዩ ምህርታት ሰኣን መጓዓዝያ ናብ ዕዳጋ ክቐርቡ ብዘይምኽኣሎም ይበላሸውን ይጉሓፉን ከም ዘለው እውን ይግለጽ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ'ውን ኣስታት 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ "ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ" ተቓሊዑ ኣሎ ዝበለ ኮይኑ "ስድራ ቤታት መግቢ ንምርካብ ዝከኣሎም ኩሉ ኣማራጺታት ይጥቀሙ ኣለው፤ ዝበዝሕ ህዝቢ ብህይወት ንምጽናሕ ዘኽእሉዎ ከበድቲ ኣማራጺታት ይጥቀም ኣሎ" ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እዚ ሰነድ፡ 83 ሚኢታዊት ሰባት መግቢ ከም ዝወድኡን ኣብ ለመና ተዋፊሮምን ንመዓልቲ ሓደ ግዜ እናተመገቡን ጥራይ ይሓልፉ ምህላዎም የመልክት።

"ብሰንኪ ሕጽረት ሓገዝ፣ ዕዳጋታትን ስድራቤታት ልቓሖም ንምኽፋል ዝነበሮም ይሸጡ፣ ይልምኑ፣ ኣብ መዓልቲ መጠን ዝምገቡዎ ይንክዩ ኣለው። ኣብ ከተማታት ብፍላይ ብደቂ ኣንስትዮ ዝመሓደሩ፣ ኣብ ቀረባ ዝተመዛበሉ ወይ ዝተመልሱ፣ ከምኡ'ውን ሓደ ጉዱእ ኣካል ኣባል ስድራ ዘለዎም ካብ ሕብረተሰብ ካብ ዝረኽቡዎ ሓገዝ ጽግዕተኛ ኮይኖም'ዮም" ይብል ኦቻ።

ብተወሳኺ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝሓልፈሉ መስመር ሰመራ- ኣብዓላ ከም ዝዓጸዎ፣ ትካላት ረድኤት ኣብ ትግራይ ዝነበሮም ናይ ቀረባትን ነዳድን ትሕዝቶ ከም ዝተጸንቀቐ፣ ገሊኦም ሰኣን መጓዓዝያን ነዳድን ምብጻሕ ረድኤት ክንክዩ ከም ዝተገደዱን ክሳብ 8 መጋቢት 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ትሕቲ 600 ሊትሮ ነዳዲ ጥራይ ከም ዝተረፎምን ጠቒሱ።

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ብ7 መጋቢት 2022 ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል ብዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝተሻቐለት ብምግላጽ፡ ጎንጽን ዘይውሑስ ጸጥታን ነቲ ብሰመራ -ኣብዓላ- መቐለ ኣቢሉ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓጽዩዎ ምህላው ኣረዲኣ።

"ካብ 15 ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ [እቲ መገዲ] ዕጹው እዩ ዘሎ። ሓይልታት ጸጥታ ክልላት ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቕዱ ይጽውዕ። ኣብቲ እናኸፈአ ዝመጽእ ዘሎ ድኽነት፣ ዋጋ መሰረታዊ ቀረባት ምውሳኹ ቀጺሉ ኣሎ። መጽናዕቲ ኣብ ዘካየድናሉ እዋን ብዝነበረ ሰፊሕ ውሽጣዊ ምፍንቓል እውን ተሻቒለ ኣለኹ" ምባላ ይፍለጥ።

ዕጽዋ ክሳብ መዓስ?

ንመሰልን ክብረትን ህዝቢ ትግራይን ውጹዓት ህዝብታት ኢትዮጵያን ንዓሰርታት ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ምስ ኤርትራ ብዝነበረ ኩነተ ኲናት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ዶባት ዝርከቡ ከባቢታት ክልል ትግራይ እኹል ትሕተ ቕርጺ ስለ ዘይነበሮም ንወፍሪ ምቹኣት ከይኮኑ እዮም ጸኒሖም።

ብዙሓት ስድራቤታት ስድራ ስውኣት ተባሂሎም ብሓገዝ ግዱሳትን መንግስትን ዝናበሩ ሚልዮናት ድማ ናይ መግቢ ውሕስነቶም ዘየረጋገጹን ብሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነብሩን እዮም።

ኣብ ርእሲኡ ህዝቢ ብጸገም ሰናይ ምሕደራ ህወሓት ሰንሰን ኢሉ/ ደኺሙ፣ ብልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ስደትን ተማሪሩ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንሙሉእ ትሕተ ቕርጺ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ሕርሻን ካልእን ከም ዘዕነዎ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

"ናይቲ ዝሓለፈ ኲናት በሰላ ከይወጻእናዮ ኢና ኣብ ኲናት ኣቲና" ዝብል ኣቶ ሃይሉ ከበደ ሕጂ ድማ ብዙሕ ሰብ ብኲናት፣ ጥምየትን ሕጽረት መድሃኒትን ይመውት ምህላው ዝፈጥሮም ቅልውላዋት ከም ዘስግኦ ይዛረብ።

" [ከምዚ] ከማይ ኣብ መወዳእታ ዘበነ ደርጊ ዝተወለድና ብዙሕ ጸገም ሓሊፍና ኢና፤ እቲ ሕዚ ኣብ ኲናት ዘሎ መንእሰይ ናብ ማእኸላይ እቶት ክሰጋገር ተዳልዩ ዝነበረ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ደርጊ ወይ መጀመርታ ዓመታት ህወሓት/ኢህወደግ ዝተወለደ እዩ። ናይዚ ወለዶ ደቁ ወይ ንኣሽቱ ኣሕዋቱ እዮም ትምህርቲ ኣቋሪጾም፣ ደኽዲኾም ዝብሃሉ ዘለው። ሰኣን ሕክምና ወይ'ውን በቲ ኲናት ወለዶም ይስንክሉ፣ ይሞቱ ኣለው፣ እቲ ዝጸንሐ ወለዶ እውን ብሕማምን ስእነት መድሃኒትን ይረግፍ ኣሎ። እዚ ኹሉ ተደሚሩ ምጥፋእ ከየጋጥም የስግአኒ" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ።

እቲ ዕጽዋ፡ ሕጂ'ውን ውሽጣዊ ምዝንባላት ክዛይድ ይገብር ምህላው ዝገለጸ ሓደ ሽሙ ክርቋሕ ዘይመረጸ ወሃቢ ርኢይቶ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ድሮ ዘይሕጋዊ መገዲ ተጠቒሞም ካብቲ ክልል ክወጽኡ ከም ዝጀመሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ኣብ ማእኸል ኲናት ሓደገኛ መገዲ ተኸቲልካ ካብ ትግራይ ምውጻእ ኣሎ፤ ብፍላይ ብደቡብ ትግራይ ብራያ፣ ቆቦ ከምኡ'ውን ዓፋር ናብ ማእኸል ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣለው። ብመስመር ራያ ኣላማጣ ብዙሕ ሰብ ካብ ትግራይ ወጸኢ'ዩ። ገንዘብ ከፊሎም ብደለላ'ዮም ዝወጽኡ። ቅድሚ ሰሙን ምሳይ ነይሮም በቲ መገዲ ንሱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸዱ ዝነገሩኒ መሓዙተይ ኣለው፤ ፍርቆም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዘይተረኸበ'ውን ኣለው" ኢሉ።

ቢቢሲ፡ እዚ ክሳብ ክንደይ'ዩ? እቶም ይስደዱ ኣለው ዝተባህሉ ናበይ ይኣትው ኣለው? ዝብል ብዕምቆት ከረጋግጾ እኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዕጽዋ ከቢድ'ዩ፤ ኣብ ከቢድ ሽግር ኢና ዘለና፤ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው'ዩ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተሳተፍቲ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሰርሑ፣ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ውሑስ ሙሉእን ዘይተገደብን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቕዱ፣ ኣገልግሎታት ባንክን ቴሌኮምዩኒኬሽን ክኸፍቱን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕን ክሰርሑን ይጽውዕ።

ካብ ትግራይ ርኢይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡን ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ ህልቂት ከየጋጥም'የ ዝሰግእ ዝብል ኣቶ ሃይሉን፡ "ዝኾነ ኲናት ብሰላም ክውዳእ እዩ ትምኒትና፤ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጎንጺ ብሰላም ክውዳእ ኣለዎ" ኢሎም።

መራሕቲ ህወሓት፡ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ቀጥታዊ ዘይኮነ ዲፕሎማሲያዊ ዝርርብ ከካይዱ ከም ዝጀመሩ እኳ ክገልጹ እንተጸንሑ ዛጊድ ጭቡጥ ውጽኢትን መንግስቲ ፌደራል ጀሚረዮ እየ ዝበሎ ድርድርን ከይተራእየ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ፈላሚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ዝጀመረ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ክጥቀም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ግን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክወስድ ይኽእል ዝብል ምግማት ኣጸጋሚ'ዩ።