'ካብ ገባር'የ ዝመሃር' ዝብል ሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, Mekelle University

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋን ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ እዅል ኣገልግሎት ኢንተርነትን ስልክን ኣብ ዘይረኽበሉ ኵነታት ዝርከብ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ እታ ‘ሎሬት ሕርሻ ዓለም 2021 ኴንካ ተዓዊትካ ኣለኻ፤ ነዚ ሽልማት ትቕበሎ እንተዄንካ ብወግዒ ኣፍልጠና፡’ እትብል መልእኽቲ ኢሜይል እትበጽሖ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ዝነበረ መስርሕ ኣፍልጦ ኣይነበሮን።

ቅድሚ ሰሙናት፡ ነቲ መልእኽቲ ምስ ርኣየ ፈለማ ምእማን ስኢኑ፡ ኤሌክትሮኒካዊ ግጉይ መልእኽቲ ከይከውን’ውን ተጠራጢሩ ከም ዝነበረ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ።

“ኢንተርነት ብዙሕ ኣብ ዘይርከበሉ ኵነታት ኴንካ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን፤ እቲ መልእኽቲ ድማ ካብ ዘይፈልጦ ሰብ ዝተላእከ ስለ ዝነበረ፡ ከረጋግጾ’የ ፈቲነ። ኣብዚ ዘለናሉ ኵነታት ኴንካ ከምዚ ዓይነት ነገር ስለ ዘይትጽበ ግን፡ እቲ ሽልማት ‘ሰርፕራይዝ’ ገይሩኒ’ዩ” ይብል።

ወሲኹ ፕሮፌሰር፡ እቲ ሽልማት ፕረዚደንትን ኣቦ መንበርን ጂሸራ ዝዀነን ጆሴ ዛግሉል ዝፈረመሉ ሽልማት፡ “ናብ ገዛ ከይደ ንበዓልቲ ቤተይን ጓለይን ከርእየን እንከለኹ፡ ንዅላትና ‘ሰርፕራይዝ’ ገይሩና” ኢሉ።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሕርሻን ስነ ፍልጠት ህይወትን [GCHERA] ሎሬታት ዓለምለኸ ሽልማት ሕርሻ ዓመተ 2021 ኢሉ ዝሓረዮም ንፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምትኩ ሃይለን ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ጌንት ማርክ ቫን ሞንታግን ተዓወትቲ ምዃኖም ብ11 ሰነ 2022 [ኣ.ኤ] እዩ ዕላዊ ገይሩ።

ምዕዳል ሽልማት፡ ብ21 ሰነ 2022 ኣብ ቻይና ብማንዛ ክካየድ እንከሎ፡ ፕሮፌሰር ምትኩ ተመራማሪ ሓመድ፡ ልምዓት ሕርሻ፡ ስነ መዓዛ ኣትክልቲ፡ ክሊማዊ ለውጥን ካልኦት ሳይንሳዊ ምርምራትን ስነ ህይወታዊ ብዙሕነትን እዩ ክሽለም ዝበቕዐ።  

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ‘እንቋዕ ደስ በለካ’ እውን፡ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ ሕርሻ፡ ትምህርቲ ህይወት ሳይንስን ሳይንሳዊ መጽናዕትታትን” ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ክሳብ ሕጂ ብውልቁን ምስ ናይ ሞያ ብጾቱን ብምዃን ኣብ ዘካየዶም ምርምራት፡ ልዕሊ 200 ሳይንሳዊ ጽሑፋት ኣሕቲሙ’ዩ።

እዚ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ምምሕዳርን ህንጸት ሓይሊ ሰብን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ብፍሉይ ኣብ ዳግመ-ሕውየት ሃብቲ ተፈጥሮ ትግራይን ምርግጋጽ ልሙዕነት ሓመድን ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ ምሁር መን እዩ? ኣብዞም ዓመታት ዘበርከቶም ስራሓት ከ እንታይ እዮም?

'ንኹሉ ዘኽብር ተመራማሪ ምትኩ’

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ዕብየት ሓደ ሃገርን ሕብረተሰብን ጽርግያን ህንጻን ብምብዛሕ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኰነ፡ ሓይሊ ሰብ ዝሓወሰ ምስ ዝኸውን እዩ ዘተኣማምን ብዝብል፡ ወፍሪ ኣብ ህንጸት ትካላት [ትምህርቲ] ዝኣምን ሰብ ከም ዝዀነ ይዝረበሉ።

ንሱ፡ ዝዀነ ሰብ ንዝህቦ ሓሳብ ብውነኡ ዝሰምዕን ዝቕበልን፡ ብተሳትፎ ዝኣምን፡ መንእሰያት ንቕድሚት ክመጽኡ ኣለዎም ዝብልን ኣብ ኵሎም ስርሓት ምምሃርን ምምርምርን ኢዱ ዝሕውስ ምዃኑ መሳርሕቱ ይገልጹ።

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, Mekelle University

ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ’ውን፡ ቤተሰቡ ዘፍቅርን ዘኽብርን ከም ዝዀነ፡ ብፍላይ ንደቁ ከም መዛንኡ እኹላት ሰባት ኰፍ ኣቢሉ የዘራርቦም፡ የዕልሎምን፡ ቍጥዐን ሕማቕ ሓሳብ ንሰባትን ዘይንታዩ ምዃኑ ይምስከረሉ።

ሓደ ነገር ጥራይ ግን የቘጥዖ፤ ኣትኽልትን ሓምላይ ኣከባብን ስለ ዝፈቱ፡ ንተፈጥሮ ዘለዎ ክንክንን ተሓላቕነትን ልዑል’ዩ፤ ኣብዚ ጕዳይ ዓው ኢሉ ክዛረብ ከኣ ድሕር ኣይብልን።

ስለዚ፡ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ፡ ስንኻ ክትምውጽ ኣውሊዕ ቈሪጽካ፣ ንመጋየጺ ተባሂሉ’ውን እንተዀነ ዝተተኽለ ሳዕሪ ረጊጽካ ክትከይድ ወይ’ውን ማይ ከተባኽን እንተርእዩካ ሕርቃኑ ኣይሓብእን።

ነገር ተኽሊ ካብ ተላዕለ፡ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ እቲ ኣብ እግሪ ተኽሊ ሞሞና ብ42 ተመሃሮን ሰለስተ ናይ ዲግሪ ፕሮግራማትን ጥራይ ዝጀመሮ ሕርሻ ኮሌጅ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝሰርሖም ስራሕቲ፡ ዝያዳ ጐሊሑ ይስመ።

ሽም እቲ ዩኒቨርሲቲ ክልዓል እንከሎ ፕሮፌሰር ምትኩ’ዩ ዝልዓል፤ ብኡ ምኽንያት ድማ ‘ኣቦ ዩኒቨርሲቲ መቐለ’ እናተባህለ ይጽዋዕ።

“ሞሞና፡ ፍሉይ ባህሪ ኣለዋ። ጥዑም ጨና ስለ ዘለዋ ኣናህብ ትስሕብ እያ፤ ንሓመድ ድማ ትሕዝቶ ናይትሮጅን ትውስኸሉ። ኣብ ክረምቲ ኣብ ትሕቲኣ ካልኦት ተኽሊ ንኽቦቕሉ መታን ጸሓይ ከይትጋርዶም ዝደረቐ ዕንጸይቲ እያ ትመስል።

"ኣብ ሓጋይ ግን ዝለምለመት ጽቡቕቲ ተኽሊ ትኸውን። በዚ ምልክት ጽንዓትን ሓልዮት ስለ ዝዀነት እዩ፡ ኣብኣ ክንጅምር እንከለና፡ ናብ ዝሓሸ ዩኒቨርሲቲ ክንበጽሕ ኢና ዝብል ተስፋ ሒዝና ኢና ገይርናዮ፡” ይብል።

እታ መጀመሪት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝዀነት ሞሞናን ንሱን ፋይናንስን ዝርከቡዎም ሰለስተ ሰባት ጥራሕ እተተኣናግድ ቤት ጽሕፈትን ንታሪኽ ተዓቂበን ኣለዋ።

ፕሮፌሰር ምትኩ'ውን ብዛዕባ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ እዚ ክዛረብ እንከሎ "ህንጻን ካልእን ንከነማልእ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ምጸናሕና። ግን ክኣ ብ እግሪ ዳዕሮ'ውን ምጅማር ይክኣል እዩ ኢልና” ኢሉ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ሽዱሽተ ቀጽርታት ዘለውዎ ኰይኑ፡ 31 ሽሕ ተመሃሮ ናብ ምቕባል በጺሑ’ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ትምህርቲ ልዕሊ 90 ሽሕ ተመሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ።

ድሕረ ባይታ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

  • ሳልሳይ ዲግሪ፡ ሳይንስን ገምጋምን መሬት ኣብ ቤልጅም ዩኒቨርሲቲ ጌንት  
  • ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ሕርሻ ኣለማያ [ሕጂ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ] - ብሳይንስ ተኽልን ኣግሮኖሚን
  • ካብ 2011 ክሳብ 2015 ድማ፡ ኣብ ፈረንሳ ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ብምዃን ሰሪሑ። ኣብቲ ግዜ ሃይማኖታዊ በዓል መስቀል ኣብ ዘይድህሰሱ ውርሻታት [Intangible heritage] እቲ ትካል ንምምዝጋብ ኣብ ዝተሰርሑ ስርሓት ኣገዳሲ ተራ ነይርዎ።
  • ካብ 2000 ክሳብ 2011 - ፈላማይ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ
  • ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ብ1993 ኮሌጅ ሕርሻ [ደሓር ዩኒቨርሲቲ መቐለ] ብምምስራት፡ ዲን ኮሌጅ ሃብቲ ተፈጥሮ ኰይኑ ሰሪሑ
  • ብ1987 [ኣ.ኤ] መምህርን ተመራማርን ሳይንስ ሓመድ፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ኮሌጅ ሕርሻ ኣለማያ ኰይኑ ሰሪሑ
  • ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን ኰይኑ፡ ደቁ ዶክተራን ኢንጂነራትን ኰይኖም ኣለው
  • እዚ ምሁር፡ ካብ መቐለ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ምንጉዳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓዲ’ዩ ተወሊዱ፤ ኣብ ኣላማጣ ድማ ዓብዩ።
ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

‘ካብ ገባር’የ ዝመሃር’

ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ኣዝዪ ዓቢይ እጃም ዘበርከተ ተመራማሪ ኰይኑ፡ ኵሉ ስርሓቱ ኣብ ልሙዕነት ሓመድ ዘተኰረ እዩ።

ቀንዲ ሳይንሳዊ መጽናዕትታቱ ድማ፡ ኣብ ትግራይ መሰረት ዝገበሩ ኰይኖም፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከብ ዓይነት ሓመድ ገሊኡ ረቂቕ፣ ገሊኡ ርጕድ ዝበለ፡ ገሊኡ ድማ ማእከላይን፣ ብሕብሪ ከምኡ’ውን ብትሕዝቶ ንጥረነገራት ዝፈላለን ምዃኑ ዘርኣዩ እዮም።

ብኣውራኡ ግን፡ እቲ ህዝቢ ንነዊሕ ግዜ መነባብሮኡ ኣብ ሕርሻ መሰረት ገይሩ ስለ ዝጸንሐ፡ እቲ ገባር’ውን ነታ ዘላቶ መሬት ብተደጋጋሚ ስለዘተጠቕመላ፡ ተጓሕጒሑን ባዲሙን እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዝተኻየደ ኲናትን ደርቅን ተጐዲኡን ብበረኻነት ተጠቒዑን እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ባይታ ተፈጢሩ ዝነበረ ብርሰት ዓቢይ ምዃኑ ዝርኣዩ ገለ ም፡ሁራት ውሽጢ ዓድን ወጻእን’ውን ፈጺሙ ኣይልወጥን፣ ክለምዕ’ውን ኣይክእል’ዩ ዝብል ግምት ነይርዎም።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኲናት ሓድሕድ ወጺኣ ብሕርሻ ዝምራሕ ቁጠባ ንምህናጽ ምንቅስቓስ ጀሚራ።

ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝዓበየ ኮሌጅ ሕርሻ መቐለ ካብ ዝወሰዶም ዓበይቲ ተበግሶታት፡ እዞም ምልጦ ዝነበሩ ጐላጉል ዳግም ብምሕዋይ፣ ብርሰት ኣግራብ ብምንካይ ሕርሻዊ ማእቶት ከዕብዩ ዝኽእሉ ምርምራት ምክያድ’ዩ ነይሩ።

“ሰላም ምስ መጽአ፡ እቲ ከባቢ ንምሕዋይ ምርምራት ንምክያድ ሃብቲ ተፈጥሮና ንፍለጥ ካብ ዝብል ኢና ተበጊስና። በዚ መሰረት እንታይ ዓይነት ሓመድ፣ እንታይ ዓይነት ዱርን ኣግራብን፣ ክንደይ ዝኣክል ትሕዝቶ ማይ ኣሎ፣ እቲ ጂኦሎጂኸ ከመይ’ዩ?” ዝብሉ ንምፍላጥ መጽናዕታት ከም ዝተኻየዱ ይሕብር።

ካብዚ ብምብጋስ፡ እቲ ሓረስታይ ዝረኽቦ ምህርቲ ንምዕባይ ዝሕግዙ ዘመናዊ ድኹዕን ምሩጽ ዘርእን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ቴክኖሎጂታት መስኖ ብምትእትታው ስትራተጂያዊ ውጥን 20 ዓመት ከም ዝዳሎ ብምግባር፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘካይዶም ምርምራት ምስ ድልየት ሓረስታይ ክትኣሳሰር ንምግባር ምጽዓሮም ይጠቅስ።

“እቲ ዝነበረ ዓቢይ ግድል፡ ካብ ኲናት ዝወጽአ ሕብረተሰብ ስለ ዝዀነ መደላድል የድልዮ ነይሩ። ብዙሕ ነገራት በሪሱ’ዩ ነይሩ፤ መገዲታት ኣይነበረን፣ እቲ ልምዓት ዝብሃል ገና ንጅምረሉ መድረኽ ስለዝነበረ፡ ነቲ ገባር ካብታ ግራቱ ዝረኽባ እቶት ከመይ ነሰስና፡ ኣብ ዝብል ኢና ኣተኲርና።

"በዚ መሰረት፡ ገባራይና ብናይ ባዕሉ ተኽእሎ ድኹዒ ዝገብረሉ፣ ካብ ዕቃበ ሓመድን ማይን ዝርከብ ማይ’ውን፡ ኣብቲ ሕርሻ ኣትዩ ዘደንፍዓሉ፣ ናይቲ ገባር ልምዲ ኣጠቓቕማ መስኖ እንተሃልዩ’ውን ከመይ ገይርና ነልምዓሉ ኣብ ዝብል ኣድሂብና ሰሪሕና፡” ኢሉ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ብዝተሰርሑ ስርሓት ምሕዋይ ሃብቲ ተፈጥሮ ኸኣ፡ ካብ ሓደ ሄክታር ዝርከብ ምህርቲ ክድንፍዕ፣ ልሙዕነት ሓመድን ፈልፋሊ ማይ ክውስኽን፣ ማይ ከርሰ ምድሪ ክብ ክብል፣ ኣጠቓቕማ መስኖ ክዓብን ሽፋን ኣግራብ ክውስኽን ከም ዝኸኣለ፡ እቲ ፕሮፌሰር ይሕብር።

መሬት ሰብ’ዩ ዘባድሞ፤ ሰብ እንተሰሪሑ ድማ ክሓዊ ከም ዝኽእል ተራእዩ።

ነዚ፡ ኣብ ዓመት ካብ 20 ክሳብ 40 መዓልቲ ኣብ ዕቃበ ሓመድን ማይን ክወፍር ብምግባርን፡ ሓረስቶት ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጅን ድዅዕን ዝነበሮም ግንዛበ ክልወጥ ብምግባርን እዩ ተሰሪሑ።

ፕሮፌሰር ምትኩ፡ ነዞም ኣብ ምሕዋይ ከባብን ልምዓት ሕርሻን ዝተሰርሑ ስርሓውቲ፡ ናብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብምውሳድ ኣፍልጦ ክረኽቡ ኣብ ምግባር ልዑል ተራ ነይርዎ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት [2017 ዓ.ም] ትግራይ ተሸላሚት ብሉጽ ፖሊሲ ምጥፋእ በረኻ ምዃና ይፍለጥ።

“ኣነ፡ ጸገም ገባር ርእየ፣ ካብ ገባር ተማሂረ’የ ናብ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኣትየ፤ ኵል ሻብ ከኣ ካብ ገባር እንመሃሮ ነገር ኣሎ እዩ። ካብኡ ተማሂርና ሳይንስ ሓዊስና መሊስና ክንህቦ እንከለና ናብራኡ ዘበርኽ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ምስኡ ኴንና ክንርእዮ ኣለና።

"ለውጢ እንተዘይኣምጺእሉ ግን ዓቕምን ጉልበትን ስለ ዘፍስስ ይኸስር ኣሎ ማለት’ዩ፤ ነዚ ኣነ’ውን ተሓታቲ እየ ዝብል ሓላፍነት ይስምዓኒ’ዩ፡” ብምባል ምሁራት ዘካይድዎም ምርምራት ነቲ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ዝሓቘፉ ክዀኑ ከም ዘለዎም የመልክት።  

እንተዀነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዳግም ናብ ኲናት፡ ስደትን ጥምየትን ተመሊሱ ይርከብ።

ብዙሓት ሓረስቶት ጥሪቶምን ናውቲ ሕርሻኦምን ዓንዩ ተመዛቢሎም እዮም።

መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ስሩዕ ሕርሻዊ ንጥፈት ክወፍርሉ ኣብ ዘይክእሉ ኵነታት ይርከቡ።

እቲ ኲናት፡ ብብዙሕ መልክዑ ነቲ ገባር ሃስይዎ’ዩ ዝብል ፕሮፌሰር ምትኩ፡ “ሓሪሰ፡ ደኲዐ፡ ምሩጽ ዘርኢ ተጠቒመ ካብ ድኽነት ክወጽእ እየ፡ ዝሓሸ ናብራ ክመርሕ’የ ዝብሎ ዝነበረ ባህጉ ኣብኒኑዎ’ዩ። ብዙሓት ገባሮ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ተጠወርቲ ኰይኖም’ዮም፤ ንኣብነት ምዕራብ ትግራይ ተመሊሶም ዘይሓርስሉ ኵነታት ተፈጢሩ’ዩ” ይብል።

ከም ሓደ ምሁርን ተመራማርን፡ በቲ ኵነታት’ኳ እንተጕሃየ “ትስፉው እየ ሰላም ክመጽእ እዩ፤ ካብቲ ዘለናዮ ብዝሓሸ መገዲ ድማ ናብ ዳግመ ሕውየት ክንከይድ ኢና ዝብል ዓቢይ እምነት ኣለኒ፡” ይብል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘካይዶም ዝነበረ ምርምራዊ ስርሓት ክተዓናቐፉ ከም ዝገበረን ተመሃሮኡ ከም ዝተበተኑዎን ይዛረብ።

“ተበግሶታትና ኵሉ ተዓናቒፉ’ዩ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሉጽ ዝበሃል ዝነበረ ቤተ-ፈተነ ኮሌጅ ሕክምና እንስሳ ዓንዩ’ዩ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ዝነበረ ቀረባት ‘ኣይሲቲ’ ዓንዩ። ቤተ-ፈተነ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተቓጺሉ፣ ሓደስቲ ዘምጻእናዮም ኣቝሑ ኵሎም ዓንዮም እዮም። ግን ኣእምሮና ስለ ዘይደስከለ፡ ሰላም መጺኡ ናብ ዳግመ ህንጸት ክንምለስ ተስፋ ንገብር ኣለና፡” ኢሉ።

ጕዕዞ እግሪ ዘየብኩር ምትኩ

ፕሮፌሰር ምትኩ፡ ‘ሕማቕ ሕቶ ዝብሃል ስለ ዘየለ፡ ዝዀነ ሰብ ክሓተካ እንከሎ ‘ዘይትፈልጥ ኴንካ ዲኻ?’ ክትብሎ የብልካን። እቲ እትህቦ መልሲ ግን ነቲ ሕቶ ከጸብቘን ከምሕቘን ይኽእል’ ዝብል ኣበሃህላ ኣለዎ።

ስለዚ፡ ንሕና’ውን ዝደለናዮ ሕቶ ንምሕታት ኣይተሰከፍናን።

ዝበዝሕ ሰዓታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምህር፣ ምስ ገባሮ ሓቢርካ ክትመራመር ተሕልፎ፣ ገዛ ክትኣቱ እንከለኻ እንታይ ትገብር? ኢልና ተወኪስናዮ።

ሓሓሊፉ፡ ቤተሰብ ብሓባር መግቢ ክሰርሕ እንከሎ፡ ኢዱ ይሓውስ፤ ብፍላይ ኣሕምልቲ ዘለዎም ነገራት ኣብ ምድላው ተሳትፎ ይገብር። ኣውደኣመት ክኸውን እንከሎ’ውን ከምኡ ሕውስ ይብል።

ካብ 2015 [ኣ.ኤ] ንደሓር ድማ ንኵነታት ጥዕናኡ ኣብ ግምት ብምእታው ቁርሲ ባዕሉ’ዩ ዝሰርሕ፡

መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ኣብ ምንባብን ንተመሃሮኡ ዝዀኑ ነገራት ኣብ ምድላውን ከም ዘሕልፎ ይዛረብ።

“ኣብ ገዛ ብቐንዱ ነቲ ዝሰርሖ ዘለኹ ስራሓት ብግቡእ ኣስተማቒሩ ዝኸይድን ዝርድኣንን ቤተሰብ ስለ ዘሎ እምበር፡ ኣብ ገዛ ኣትየ ዝሰርሖ ስራሕ ግዜ ከም ዝቃጸጽ እፈልጥ’የ፡” ይብል።

መዓልታዊ፡ ሓደ ነገር ድማ ኣየብኩርን፤ ጕዕዞ እግሪ።

“ምስ ኣዕሩኽተይ፡ ብውሑድ ን10 ኪሎ ሜትሮ ጕዕዞ ብእግሪ [ዎክ] እገብር’የ። ንጥዕናና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብኡ ኢና ሓሳባት እነመንጩን እነብስልን። 23 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ሓደ መዓልቲ ‘ዎክ’ ዝገበርኩሉ ነይሩ፤ እታ ዝነውሐት’ውን ንሳ’ያ [ሰሓቕ]”።