ኣብ ትግራይ፡ ብጃምላዊ ቕትለት፣ ስእነት መድሃኒትን ጥሜትን ክንደይ ሰብ ሞይቱ?

ብሞት ኣባል ስድራ ዝሓዘነት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቤልጂም ዝርከብ፡ ዩኒቨርሲቲ ጌነት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ዘቝጸረ ኲናት ስዒቡ፡ ብጃምላዊ ቕትለት፡ ስእነት መድሓኒትን ጥሜትን፡ ካብ 300 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ከምዝሞቱ ዘረጋግጽ ውጽኢት መጽናዕቱ ዕላዊ ገይሩ።

እዚ ኣሃዝ፡ ኣብ ውግእ ዝሞቱ ከም ዘየካትት፡ ቀንዲ መራሒ 'ቲ ምርምራዊ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ጃን ኔይሰን፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ኲናት ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ጕጅለ ምርምር'ቲ ዩኒቨርሲቲ ክከታተሎ ጸኒሑ እዩ።

ፕሮፌሰር ጃን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ጉዳይ ምሽርሻር መሬትን ዕቀባ ሓመድን ማይን ተፈጥሮን ኣመልኪቱ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ካልኦትን ብምትሕብባር፡ ብዙሓት ምርምራት ከምዘካየደ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዝሓ መጽናዕቱ ምስ ሓረስቶት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ምንባሩ፣ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዓመታዊ ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ናብታ ሃገር ይመላለስ ከምዝነበረ ዘኪሩ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ነዞም ኣብ መቐለን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን [ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረሰላም] ቅድሚኡ ዝነበርዎ ምንጭታት ተጠቒሙ፡ ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ቅትለታትን ጃምላዊ ጭፍጨፋን ክስንድ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን፡ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ግእዝ ኲናት ካብ ዝጅምር ገለ ጸብጻባት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ኳ እንተወጽኡ፡ ክንደይ ሰብ ከምዝሞተ ዘረጋግጽ ዕላዊ ሓበሬታ ግን ኣይነበረን።

ነዚ ክፍተት ዘስተውዐለ ዝመስል ፕሮፌሰር ጃን፡ "ካብኡ ንደሓር፡ ምስ ካልኦት መሳርሕተይ ኴንና፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ዝተፈጸሙ ቅትለታት፡ ሓበሬታ ንምእካብን ንምስናድን ወሲንና፡" ይብል።

ፕሮፌሰር ጃን ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝተፈጸሙ ገለ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ መንነት ነፍስወከፍ ግዳይ ምስናድ ተጀሚሩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ዝተቐተልሉ ቦታን ግዜን ንምጽራይ ፈታኒ እዩ ነይሩ። ገሊኦም ሰባት ኣቈጻጽራ ዕለት ብግእዝ እዮም ዝዛረቡ፡ እዚ ዅሉ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ነቲ ምርምር፡ ኣኽቢድዎ ነይሩ፤ ኰይኑ ግን፡ ኵሉ ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ብምምስኽኻር ክረጋገጽ ገይርና።"

በዚ መሰረት፡ ምሉእ መንነት ናይ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብጃምላዊ ጨፍጫፍ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ ኣብቲ ማእከል መአከቢ ሓበሬታ ከም ዝመዝገቡ ይገልጽ።

"ካልእ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝረኣናዮ፡ ሰባት ናብ ጐቦታት ክሃድሙ ክፍትኑ እንከለው፡ [ብዝሖምን ፍሉይ ስም ናይቲ ቦታን'ኳ እንተዘይተገልጸ]፡ ሓያለ ሬሳታት ፈቘዶኡ ፋሕ ኢሉ ይርአ ከምዝነበረን፡ ኣዛብእ ከምዝበልዑዎን ሓበሬታ ረኺብና፡" ኢሉ።

"ነቶም ኣብ መአከብ ሓበሬታና ዘዋህለልናዮን፡ እዚታት ኣብ ግምት ኣእቲናን፡ በዚ መገዲ'ዚ ዝተቐትሉ ብዝሒ ግዳያት ካብ 50,000 ክሳብ 100,000 ከም ዝበጽሕ ንግምት፡"ኢሉ።

ዛጊት ነዚ ብዝሒ ቅትለት፡ ብዝምልከት፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን፡ ካብ ካልኦት ኣካላት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ጥሜት ዘስዐቦ ሞት

ፕሮፌሰር ጃን፡ ኣብ መጽናዕቱ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [400 ሽሕ] ካብ ዩኤስኤይድ [900 ሽሕ] ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ዝብል ዳህሳስ፡ ከም መበገሲ ሓበሬታ ከም ዝተጠቐምሉ ይዛረቡ።

ኣብቲ ክልል፡ እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ሞት ድማ፡ ብጥሜትን ስእነት ረዲአትን ዝሰዓበ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ።

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶ/ር ቴድሮስ አድሓኖም፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ንሕሱም ጥሜት ዝተቓለዐ ህዝቢ፡ ረድኤት ከይረክብ ኣብ ዕጽዋ የንብርዎ ኣለዉ ኢሉ ከሲሱ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጐ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ እንተዀይኑ፡ ካብ ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረድኤት ከምዝዀነ፡ ፍርቂ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ድማ ኣብ ጥሜት ከም ዝርከብ ገሊጹ ኣሎ።

ናብዚ ቝጽሪ ብኸመይ ተበጺሑ?

ፕሮፌሰር ጃክ ንመጽናዕቱ ኣመልኪቱ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ናብዚ ድምዳመ ንምብጻሕ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረ መጠን ሞት ምልስ ኢልካ ምርኣይ ከምዘድልዮ እዩ ዝገልጽ። ብኡ መሰረት፡ ብጥሜትን ሰኣን መድሓኒትን ዝሞት ብዝሒ ህዝቢ ንምግማት ክኢልና ይብሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዩኤስአይዲ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር፡ መዓልታዊ፡ "ካብ 10 ሽሕ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ" ብምግላጽ፡ እዚ እቲ ዝዓበየ መጠን ሞት ከምዝሽፍን የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሰኣን መድሃኒትን ሕክምናን ህይቶም ዝስእኑ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ የረድእ።

"ኣብ ዓይደር መጺኦም ብሰንኪ ስእነት መድሃኒት ናይ ዝሞቱ ኣሳእል ርኢና ኢና፤ ሓበሬታ'ውን ረኺብና። እንተኾነ እዚ ካብ ባሕሪ ብማንካ ዝተረኸበ ሓበሬታ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ሰብ መድሓኒት ከምዘየለ ስለዝፈልጥ፡ ናብቲ ሆስፒታል ኣይከይድን። ዝበዝሕ ድማ ካብ ከተማ ርሒቑ እዩ ዝነብር፤ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ማእከላት ጥዕና ድማ ዓንዮም እዮም ወይ ድማ ሰብ ሞያ ይዅን መሳርሒን መድሃኒትን የብሎምን።"

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ 09 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ግእዝ፡ ብሰንኪ እቲ ኲነታት፡ ኣብ ትግራይ ዝበዝሑ ማእከላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ተዘሚቶም ወይ ድማ፡ ዓንዮም ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ካብኡ ዝተረፉ መድሃኒታትን መሳርሒታትን ክሰርሑ ናብ ዘይኽእልሉ ብርኪ ከምዝበጽሐ'ውን ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ፕሮፌሰር ጃን ብወገኑ፡ ኣካል እቲ መጽናዕቲ ዝኾነ፡ ናብ ዓይደር ሆስፒታል መጺኡ፡ ሰአን መድሓኒት ክንደይ ሰብ ከም ዝሞተ ሓበሬታ ኣለና- ይብል።

"ንኣብነት ብኸልቢ ተነኺሱ ዝሞተ ቈልዓ ኣሎ። መድሃኒት/ክታበት ክረክብ ኣይከኣለን። ካልእ ግዜ እንተዝኸውን፡ ክመውት ኣይምተገብአን፤ ክሕከም እናኸኣለ ሰኣን መድሃኒት ህይወቱ ሓሊፉ። "

ዝውስኽ ዘሎ ሞት

ፕሮፌሰር ጃን፡ ሰኣን መድሃኒት ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ብኸመይ ቀሚርካዮ፡ ንዝብል ሕቶ ከረድእ እንከሎ፡ "ቅድሚ እቲ ኲናት ዘጋጥም ዝነበረ ሞት ከነነጻጽር ነይሩና [ግራፍ እቲ ዝመዝገቡዎ መጠን ሞት ይጠቅስ]። እዚ መጠን ሞት ክንደየናይ ከም ዝወሰኸ እዩ ዘርኢ።

"ገለ ውጽኢታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ብ1980 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ] ዘመናዊ ስርዓት ጥዕና ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ ካብ 1000 ሰባት 20 ይሞቱ ነይሮም። እዚ ኲናት ክሳብ ዝተጀመረሉ ግዜ መጠን ሞት ካብ 1000 ናብ 6 ሰባት ምውራድ ተኻኢሉ ከም ዝነበረ መረዳእታታት የመልክቱ፡" ኢሉ።

ሕጂ ግን መጠን ሞት ዳግም ከም ዝወሰኸ ዝዛረብ እቲ ሙሁር፡ መብዛሕትኦም ትካላት ሕክምና ከም ዝዓነው፣ እቶም ዘለው ድማ ናውቲ ከም ዘይብሎምን ሰብ ሞያ ሕክምና'ውን ኣብ ቦትኦም ከም ዘየለው ይዛረብ።

በዚ ምኽንያት፡ "ዘመናዊ ስርዓተ ሕክምና ቅድሚ ምስፍሑ ናብ ዝነበረ ዘመን ኢና ተመሊስና ማለት፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ናትና ግምት መጠን ሞት ካብ 1000 ናብ 20 ሰባት ዝሞትሉ ግዜ ተመሊሱ'ዩ ዝብል እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝዀነ ዓይነት ቀረብ ኣፋውስ ናብ ዘይነበረሉ ግዜ ተመሊስና ኣለና እንተይልና ድማ እቲ መጠን ሞት 32 ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ዶክተር'ውን ዝሰማምዓሉ ኣሃዝ እዩ፡" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ኮነ መድሓኒት፡ ውሑድ ስለ ዝዀነን፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ስለ ዝተዓናቐፍን ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝተፈጥረ ዓለምለኻዊ ትካላት ይገልጹ።

'ዝኸፍአ ከጋጥም ይኽእል'ዩ'

ተሌቪዥን ትግራይ ንሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ኣቶ ሙሉጌታ ደባልቀው ጠቒሱ ኣብ ዘቃለሖ ዜና፡ "ኣብ ቀረባ ግዜ ረድኤት ናብቲ ከባቢ እንድሕር ዘይኣተወ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ህይወቱ ክስእን ይኽእል እዩ፡" ዝብል መጠንቀቕታ ይርከቦ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዕጽዋን ከበባን ፈኸም እናበለ ዝመጽአ ሓደጋ ጥሜት፡ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ክበጽሕን ብሚልዮናት ዝቝጸር ህዝቢ ብጥሜት ክሃለቕን ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ።

ፕሮፌሰር ጃን፡ መጽናዕቱ ምሰዚ ጸብጻብ ክልል ትግራይ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ናብቲ ክልል ብህጹጽ ረድኤት እንተዘይበጺሑን እቲ ኵነታት በቲ ዘለዎ እንተቐጺሉን ዝኸፍአ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"እቲ ዝኸፍአ ዝመስለኒ መጠን ሞት ክውስኽ እዩ። ብርግጽ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ክመውት ይኽእል እዩ ኢለ ብኣሃዝ ንምቕማጥ ይኸብደኒ እዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ካብ 300 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ኢና ንግምት፡" ኢሉ።

"ስለዚ እቲ ኵነታት ምምሕያሽ ዘርኢ እንተዘይኰይኑ እቲ መጠን ሞት ብዕጽፊታት ስለ ዝውስኽ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸር ህዝቢ ክሃልቕ ይኽእል እዩ፡" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ 40 ሚእታዊት ህዝቢ እቲ ክልል፡ "ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ" ተቓሊዑ ኣሎ ኢሉ ነይሩ።

እዚ ጸብጻብ 83 ሚእታዊት ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ክልል መግቢ ከም ዝወድአን ኣብ ልመና ከም ዝተዋፈረን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዝምገብን የመልክት።

ብተወሳኺ፡ ብሸነኽ ክልል ዓፋር ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ዝሓልፈሉ እንኮ መገዲ ሰመራ - ኣብዓላ ከም ዝተዓጽወ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዘለው ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቲ ክልል ዘለዎም ክዙን ቀረብን ነዳድን ከም ዝተጓደለ፣ ገለኦም ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን መጓዓዝያን ዝህቡዎ ኣገልግሎት ክንክዩ ከም ዝተገደዱ ኣፍሊጦም።

ክሳብ 8 መጋቢት 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ 600 ሊትሮ ነዳዲ ጥራይ ከም ዝነበሮም ገሊጾም'ዮም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሸነኽ ዓፋር ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ ግን መንግስታት ፌደራልን ክልል ዓፋርን ረድኤት ናብ ትግራይ ክበጽሕ ምፍቃዶም ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።